ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዓሌት በለስ ምምሕያሽ ዘክእል ምርምር የሳልጡ ኣለዉ



 

መቐለ/ጥሪ /13/2017 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዩኒቨርሲቲ መቐለን ዓሌት በለስ ብምምሕያሽ ዓቕሚ ምፅዋር ሕማም ምዕባይ ዘኽእል ምርምር እናሳለጡ ምዃኖም ገሊፆም።

ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ተመራማሪ ሓለዋ ዝራእቲ ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ ተስፋይ በላይ(/) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 350 ሽሕ ሄክታር መሬት ብተኽሊ በለስ ዝተሸፈነ እዩ።

ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ግና በለስ ''ኮቺንያል'' ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ሕማም ስለዝተጠቕዐ እቲ ዝድለ ፍርያት እናተረኸበሉ ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

ተመራማርን መምህርን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኪሮስ መለሰ(/) ብግደኦም፤ ዓቕሚ ምፅዋር ሕማም ተኽሊ በለስ ዘዕብዩ ስራሕቲ ምርምር፣ምርባሕን ምድቓልን በቲ ዩኒቨርሲቲ፣ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻን ማእኸል ባዮ ቴክኖሎጅን እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ተኽሊ በለስ ድርቂ ተፃዊሩ ብዙሕ ፍርያት ንክህብ 35 ዓይነታት ዓሌታት ብምድቓል እቲ ዝሓሸ ተመሪፁ ኣብ ሕርሻ ሓረስቶት እናተፈተነ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ብምርምር ክልቲኦም ትካላት ዝተረኸበ መድሓኒት መከላኸሊ እቲ ሕማም እውን ውፅኢታዊ ምዃኑ ኣብ ሕርሻ ሓረስቶት ብተግባር ስለዝተረጋገፀ ስራሕ ምንፃግ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም