ኢትዮጵያ እናሰርሐቶ ትርከብ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብነት 'ዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ እናሰርሐቶ ትርከብ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብነት 'ዩ

አዲስ/አበባ/ጥሪ/13/2017/ኢዜአ/ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ዝርከብ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብነት ዝኸውንን ኣብተን ሃገራት መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንምስፍሕፋሕ ከምዝሕግዝን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮንፈረንስ ልምዓት ኢንተርኔት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ። እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሃገራት ኢጋድ ንዘሎ ልምዓት ዓቐሚ ኢንተርኔት ፣ ኣፍልጦን ልምድን ብምጥቃም ኣብተን ሃገራት ልምዓት ኢንተርኔት ንምዕባይ ይጠቅም።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(ዶ/ር)፤ 40 ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ስርዓት ዲጂታል ዕዳጋ 'ዮም ኢሎም።
ኣብ ኣባል ሃገራት ኢጋድ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ብምዕባይ ቑጠባዊ ዕብየት ንምስላጥን ማሕበራዊ ርክብ ንምጥንኻርን ብምውዳድ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።