ኢትዮጵያ እናሰርሐቶ ትርከብ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብነት 'ዩ



 

አዲስ/አበባ/ጥሪ/13/2017/ኢዜአ/ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ዝርከብ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብነት ዝኸውንን ኣብተን ሃገራት መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ንምስፍሕፋሕ ከምዝሕግዝን ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) ገሊፆም።

ኮንፈረንስ ልምዓት ኢንተርኔት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሳለጠ ይርከብ። እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ሃገራት ኢጋድ ንዘሎ ልምዓት ዓቐሚ ኢንተርኔት ኣፍልጦን ልምድን ብምጥቃም ኣብተን ሃገራት ልምዓት ኢንተርኔት ንምዕባይ ይጠቅም።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን በለጠ ሞላ(/) 40 ሚሊዮን ዜጋታት ተጠቀምቲ ስርዓት ዲጂታል ዕዳጋ 'ዮም ኢሎም።

ኣብ ኣባል ሃገራት ኢጋድ መሰረተ ልምዓት ኢንተርኔት ብምዕባይ ቑጠባዊ ዕብየት ንምስላጥን ማሕበራዊ ርክብ ንምጥንኻርን ብምውዳድ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም