ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ አይተ ጥላሁን ከበደ ክልላዊ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ አጀሚሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ አይተ ጥላሁን ከበደ ክልላዊ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ አጀሚሮም

ሳውላ/ ጥር/ 15/2017(ኢዜአ)፡- ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ አይተ ጥላሁን ከበደ ናይ ሎሚ ዘበን ክልላዊ ዝተዋደደ ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ አብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ አጀሚሮም ።
ስርሓቲ ልምዓት ተፋሰስ እቲ ክልል "ፀጋ ሓመድና ንብልፅግናና" አብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ ተጀሚሩ አሎ። እቲ ልምዓታዊ ስራሕ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ን30 ማዕልትታት ክፀንሕ እዩ ።