ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ዕዉት ንክኸውን ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

አዲስ አበባ/ጥሪ/16/2017/ኢዜአ/ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ኣኼባ ሚኒስትራትን ዕዉት ንክኸውን እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ፌደራል ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓጀብቲን ኣሽከርከርትን ፍሉይ (ቪኣይፒ) ፕሮቶኮልን ተሳሊጡ።
ኣብቲ ምረቓ መደረ ዝገበሩ ኮሚሽነር ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል፤ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን መበል 46 ኣኼባ ሚኒስትራትን ንክሳኻዕ ካብ ብሕዚኡ እኹል ምድላው ተገይሩ ኢሎም።
እቲ ጉባኤ ዕዉት ንክኸውን እቲ ትካል ዝተዓጠቐን ድሮናትን ኻልኦት ነዚ ዘመን ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታትን ኣብ ስራሕ ከምዝውዕሉ ተዛሪቦም።
ሓይሊ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ ኣብ ቻይናን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬታትን ብምስልጣንን ስራሕቲ ፀጥትኡ ብምዝማንን ልዑል ምድላው ከምዝተግበረ ኣረጋጊፆም ።
እቶም ተመረቕቲ ካብ 55 ትካላት ዝተውፃእፅኡ ምዃኖም መረዳእታ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ የረድእ።