ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ከባቢ ምህናፅ ንዓወት ዲጂታል ኢትዮጵያ ወሳኒ ኢዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/19/ 2017 /ኢዜአ/ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ከባቢ ምህናፅን ስግኣታት ሳይበር ምክልኻልን ንዓወት ዲጂታል ኢትዮጵያ ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣብ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያን እንፋተን ጠመተ ዝገበረ ኤግዚብሽንን ዓውደ መፅናዕቲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሙዚየም ሳይነስ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ብዕሊ ዘጀመሩ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን፥ ድሕንነቱ ዝተሓለወ ዲጂታል ከባቢ ምህናፅን ስግኣታት ሳይበር ምክልኻልን ንዓወት ዲጂታል ኢትዮጵያ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ዓመት ትግበራ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ክንራኸብ ኢና ብምባል፥ ኣብቲ ስትራቴጂ ናይ ዝሓለፈ ናይ ተግባር እዋን ብዙሓት ዓወታት ምምዝጋቦም ተዛሪቦም።

ብኣንፃሩ ዝተፈላለዩ ብድሆታት ምግጣሞም ሓቢሮም።

ነዚ መበገሲ ብምግባር ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ምዕፃዉ ሓቢሮም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም