ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ወሳኒ ሰረት ዘንበሩ ንጥፈታት ተሰሪሖም- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

አዲስ አበባ/ጥሪ/19/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ንህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ብወሳኒ ሰረት ዘንበሩ ንጥፈታት ተሰሪሖም 'ዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ሎማዓንቲ ንጉዕዞን ጅማሮታትን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢትዮጵያ ዝምልከት ኤግዚቢሽንን ዓውደ መፅናዕትን ኣሳሊጥና ኢሎም።

መንግስቲ ድሕሪ ፅባሕ ለውጢ 2012 . ጀሚሩ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ሃገርና ዕድላት ዕብየት ቴክኖሎጂ ንኽትጥቀም ዘኽእሉ ንጥፈታት ከምዝሰርሐ ተዛሪቦም።

ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ብምስፍሕፍሑ ስርዓት ፋይናንስን ኽፍሊትን ብልዑል ቕልጣፈ እናዓበየ ምዃኑ ገሊፆም።

ግልጋሎታት መንግስቲ ናይ ምዝማንን ናብ ዲጂታል ምስግጋርን ኸምኡ 'ውን ተሳትፎ ውልቃዊ ዘፈር ወሲኹ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኦም ኣስፊሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም