ሕርሻ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቴክኖሎጂን ሜካናይዜሽን ምትእትታውን ምጥቃምን ኣገዳሲ እዩ - ኣይተ ጌታቸው ረዳ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/24/ 2017 /ኢዜአ/ብብርኪ ሃገር ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ምልላይ ፓሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገፀርን ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ምልላይ ሃገር ለኸ ፓሊሲ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣፈፃፅማኡ ዕውት ንምግባርን መሓውራዊ ለወጢ ንምምፃእ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ሕርሻ እቲ ክልል ኣዝዩ ዝወደቐሉ፣ ንኮሜርሻል ዝውዕል ዝነበረ ሕርሻ ንድሕሪት ዝተመለሰሉ ኩነታት ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኩሉ ዓይነት ዓቕሚ ተጠቒምካ ሕርሻ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብብብርኪ ሃገር ዝወፅኡ ፓሊሲታት ምፍላጥ ረብሕኡ ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኩሉ ዓይነት ዓቕሚ ተጠቒምካ ሕርሻ ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ቴክኖሎጂን ሜካናይዜሽን ምትእትታውን ምጥቓምን ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ምፍፃም ማለት ትግራይ ዝበለፀ ዓቕሚ እትፈጥረሉ ኩነታት ምፍጣር ማለት ምዃኑ ብምግላፅ፥ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእነት ክፍፀም ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኢያሱ ኣብርሃ(ዶክተር) ብግደኦም፥ ኢኮኖሚ ሃገር መሰረቱ ሕርሻ እዩ ኢሎም።

ስለዚ በቢ እዋኑ ምስ ዘለዎ ዕብየታት እቲ ሴክተር ፓሊሲ እናማሓየሽካ ምኻድ ኣገዳሲ ከለምዝኾነ ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም