ኣብ ክልል ትግራይ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተጀሚሩ





 

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/26/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ከባቢታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝተጀመረ ቢሮ ሕርሻ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ገሊፁ፡፡

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኢያሱ ኣብርሃ (/) ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ስራሕ 20 መዓልቲታት ከምዝፀንሕን በዚ ድማ 30 ሺሕ ሄክታር መሬት ክለምዕ ከምዝግበርን ኣብሪሆም።

እቲ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን÷ "ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ንዘላቒ ልምዓትናን ሓድነትናን" ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ፡፡

ብፍላይ ዝተጎድኡ ከባቢታት ዳግም ንኽለምዑ ናይ ምግባር ዕላማ ዘለዎ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ስራሕ ብፀሬትን ብቅልጣፈን ንምውጋን ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተገበሩ ከምዝፀንሑ ዝሓበሩ ድማ ኣብቲ ቢሮ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ኢዮም።

ሰብ ሞያ ነቲ ስራሕ ብቕርበት ንምምራሕን ንምክትታልን ናብ ወረዳታት ከምዝተዋፈሩ ምግላፆም ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም