“መንእሰይ ወለዶ ሓይሉ ንልምዓትን ንህንፀት ሰላምን ከውዕሎ ይግባእ”- ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ

 

አዲስ አበባ/ጥሪ/27/2017/ኢዜአ/መንእሰይ ወለዶ ዘለዎ ሓይሊ ንልምዓትን ህንፀት ሰላምን እንተውዒሉ ንተተካኢ ወለዶ ዝማዕበለት ሃገር ምርካብ ይኽእል ክብሉ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ምስ ፈንድ ስነ-ህዝቢ ..(ዩኤንኤፍፒ) ብምትሕብባር ዘዳለዉዎ ሃገር ለኻዊ ኮንፈረንስ ሰላምን ድሕንነትን መንእሰይ በዓል ዋና ሰላም ብዝብል ቴማ እናተሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ኮንፈረንስ ሚኒስትር ሰላም መሓመድ ኢድሪስ ከምዝገለፅዎ፤ መንእሰይ በዓል ዋና ሃገር ' ዝበሃል ኣብ ውሽጡ ልዑል ሓይሊ ስለዘሎ 'ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ መብዛሕቲኡ ክፋል ሕብረተሰብ መንእሰይ ምዃኑ ገሊፆም፤ መንእሰይ ዘለዎም ሓይሊ ንሰላምን ንልምዓትን እንተውዒሎምዎ ንተተካኢ ወለዶ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ክነረክብ ንኽእል ክብሉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም