ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኮይና


 

ኣዲስ ኣበባ /ጥሪ/ 27/2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኮይና፡፡

መበል 34 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተኻይዱ፡፡

እቲ ጉባኤ ኣብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ሃገራዊ ምርምር ልምዓት ንዝኾኑ ሃብታሙ ኣበራ (/) ካብ ጥሪ 2025 ጀሚሩ 3 ዓመታት ተወካሊ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ብምግባር ሾይሙ።

ሃብታሙ ኣበራ (/) ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ዘላቒ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ልምዓት ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምርምር ኣብ ምድጋፍ ይርከብ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ማእኸል መፅናዕቲ ቴክኖሎጂ ኣፍሪካ ምዃና ዓለም ለኸ ልምድታት ብምጥቃም ሃገራዊ ስራሕቲ ልምዓት ምርምር፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ንምጥንኻር ከምዝሕግዛ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም