ሉሲን ሰላምን ኣብ ብሄራዊ ሙዚየም ቼክ ሪፐብሊክ ንምርኢት ክቐርባ ኢየን


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 27/2017 /ኢዜአ/ሉሲን ሰላምን ዝተብሃላ ዕድመ ፀገብ ቅሪተ ኣካል ወዲ ሰብ ኣብ ብሄራዊ ሙዚየም ቼክ ሪፐብሊክ ንምርኢት ከምዝቐርባ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣፍሊጡ

ሉሲን ሰላምን ካብ 25 ነሓሰ 2025 .. ጀሚሩ ማእኸል ባህሊ ኣብ ዝኾነት ከተማ ፕራግ ንህዝቢ ከፍቲ ከምዝኾና ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ከሳ ሓቢረን።

እቲ ኤግዚቪሽን ሉሲ ኣብ ክልል ዓፋር ሃዳር ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተረኸበትሉ መበል 50 ዓመት ስዒቡ ዝተዳለወ ኢዩ ተባሂሉ።

ንክልተ ኣዋርሕ ከምዝፀንሕ እውን ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም