መንገዲ እግረኛ ውሽጢ ምድሪን ድኳናትን ኣራት ኪሎ ፕላዛ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ እግረኛ ውሽጢ ምድሪን ድኳናትን ኣራት ኪሎ ፕላዛ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም

አዲስ አበባ/ጥሪ/28/2017/ኢዜአ/ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ምምሕዳር መዘናግዒ ቦታታት ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነፃነት ዳባ ከምዝገለፅዎ፤ መንገዲ እግረኛን 17 ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝህቡ ናይ ንግዲ ድኳናትን ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም።
እቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ እግረኛ ናብ ስራሕ ምእታዉ ንፍሰት ትራፊክ ምቹው ኩነታት ከምዝፈጥር ገሊፆም።
ተጠቀምቲ እቲ መንገዲ ካብቶም ናይ ንግዲ ድኳናት ግልጋሎት ምርካብ ንክኽእሉ ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ጌታሁን ኣበራ ብወገኖም፤ እቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ ንጉዱኣት ኣካል 'ውን ምቹው ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ሊፍት ከምዝተገጠመሉ ተዛሪቦም።
ምሸት ኣብቲ መንገዲ ውሽጣ ውሽጢ ንዝንቀሳቐሱ እግረኛታትን ድኳናትን ኣድላዪ ሓለዋ ከምዝግበር ተሓቢሩ።