ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ዓለሚቱ ኡሞድ - ኢዜአ ትግርኛ
ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓት ተፋሰስ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ርእሰ ምምሕዳር ዓለሚቱ ኡሞድ

ጋምቤላ/ጥሪ /28/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ጋምቤላ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ንምልቓቕን ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ገሊፀን።
ኣብቲ ክልል መርሃ ግብሪ ጎስጓስ ልምዓት ተፋሰስ ዕቀባ ሓመድን ማይን 2017 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዞባ ማጃንግ ወረዳ ጎደሬ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ወይዘሮ ዓለሚቱ ኡሞድ ኣብቲ ቦታ ተረኺበን እቲ ስራሕ ኣብ ዘጀመራሉ እዋን ከምዝበልኦ፤ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ መፍረያይነት ብምዕባይ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ እጃም ኣለዎም።
“ብፍላይ ድማ ዝባደሙን ዝተጎድኡን ከባብታት ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ብምጥንኻር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ካብ ተመፅዋታይነት ሓራ ንምውፃእን ዝተትሓዘ ሽቶ ንምዕዋት ጠንኪርና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢለን።
ስለዝኾነ ድማ ከም ክልል ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ፓል ቱት ብግደኦም፤ ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ስራሕ ልምዓት ተፋሰስ ኣብ ኩሎም ወረዳታት 145 ሽሕ ሄክታር ዝባደመ መሬት ንምሽፋን ተተሊሙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ኩሎም ወረዳታት ኣብ ዝተፈለዩ 138 ተፋሰሳት ስራሕ ዕቀባ ሓመድን ማይን ከምዝሳለጥ ኣብራህሪሆም።