“እጃም ማሕበራት ማሕበር ስራሕ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሲምፖዜም ይሳለጥ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
“እጃም ማሕበራት ማሕበር ስራሕ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሲምፖዜም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 28/2017 (ኢዜኣ) “እጃም ማሕበራት ማሕበር ስራሕ ንብልፅግና ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሲምፖዜም ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ፣ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኢንዱስትርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ፣ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ሽጉጤን ኮሚሽነር ሕብረት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ልዕልቲ ግደይን ሓዊሱ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።
ኣብቲ ሲምፖዜም ዝተፈላለዩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ተዘትይሎም እዩ።
ኣካል እቲ ሲምፖዜም ዝኾነ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ሕብረት ስራሕ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ማእኸል ኤግዚቢሽን ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ እውን ተገሊፁ።
ኣብቲ ክሳብ 3 ለካቲት 2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ክሳተፉ እዮም።