ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ


 

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ/ 29/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምትሕብባር ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን(ኢዜኣ) ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ዝተዳለወ እዩ።

ኣብቲ ዘተ፤ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤን ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ ዘተ ፓነል፤ ኣብ ኣድላይነት ዲጂታል መለለዪ መንነትን ኣብ ዝህልዎ ኩሉ መዳያዊ ረብሓን ዙሪያ ዓለም ለኸ ተሞኩሮ መሰረት ብምግባር ኣፈፃፅማን ፈተናታትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ሕዚ ዝበፅሐሉ ብርክን ጠመተ ዝገበረ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ቀሪቡ እናተዘተየሉ ይርከብ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም