ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ-ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት - ኢዜአ ትግርኛ
ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ-ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት

ኣዲስ ኣበባ/ጥሪ /29/2017 (ኢዜኣ) ፋይዳ መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር እዩ ክብላ ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ገሊፀን።
ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮጵያ ብቁፅሪ ኣዋጅ 1284/2015 ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን፤ ክሳብ ልዕሊ 11 ሚልዮን ዜጋታት ወነንቲ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንምዃን ተመዝጊኖም ይርከቡ።
ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነትን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ኣብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ፓነል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ዘተ ፓነል፤ “ፋይዳ ንኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
ምክትል ዋና መተሓባበሪ ፕሮግራም ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወይዘሪት ራሄል ይትባረክ ኣብዚ እዋን፤ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት እዚ ዘተ ፓነል ንምድላው ዝገበሮ ስራሕ ኣመስጊነን።
ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት (ፋይዳ) መሰል ዜጋታት ዘረጋገፅ፣ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ሃገር ዘኽብር ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበለ ነባራይ ከምዝተመዝግበ ብምሕባር፤ ኣብ ክልላት እውን ንምስፍሕፋሕ ፃዕሪ እናተገበረ እዩ ኢለን።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ሰይፈ ደርቤ ብግደኦም፤ ኢዜኣ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምሕላው ዘኽእል ትካላዊ ኣወዳድባ ዘለዎ ትካል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላው ልኡኽቶ ዝተውሃቦ ብሕታዊ ወኪል ዜና ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።
ስለዝኾነ እውን ዜናን ዜና ተኮርን ፕሮግራማት ካብ ምድላው ብተወሳኺ ሃገራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ መድረኻት ብምድላው ሃገራዊ ልኡኽትኡ እናተዋፅአ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
እዚ ሎሚ ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ፓነል እውን ፋይዳ ዘለውዎ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ረብሓታት ኣብ ግምት ዘእተወ ከምዝኾን ተዛሪቦም።