ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ቴክኖሎጂታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ቴክኖሎጂታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ/ ጥሪ/29/ 2017 /ኢዜአ/ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኢትዮጵያ ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥሩ ቴክኖሎጂታት ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብቲ ኢንስቲትዩት ዝተሰርሑ ሓሙሽተ ማሽናት ፕላዝማን ራውተር ሲ ኤን ሲን ንክልል ትግራይ፣ ሲዳማ፣ ዓፋር፣ ቢኒሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ኣረኪቡ።
ማሽን ፕላዝማ ሲ ኤን ሲ ብጨረር ሓፂናት ብዝተፈላለዩ ቅርፅታት ምቑራፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኣብዲሳ ይልማ ገሊፆም።
ማሸን ራውተር ሲ ኤን ሲ ድማ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ዝተፈላለዩ ቅርፅታት ንምውፃእ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።