ኣብ ክልል ትግራይ ብዳግመ ልምዓት ተፋሰስ ዝሓወየ 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ንሓረስቶት ተዋሂቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ብዳግመ ልምዓት ተፋሰስ ዝሓወየ 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ንሓረስቶት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ /ጥሪ/ 30/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ብዳግመ ልምዓት ተፋሰስ ዝሓወየ 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ንዝተወደቡ ሓረስቶት ከምዝተሃቡ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ።
መራሒ ጉጅለ ተፋሰስ ልምዓት እቲ ቢሮ ጠዓመ ገብረስላሰ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ክልል ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ምኽንያት ዝተጎድአ መሬት ብዝተዋደደ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን መሊሶም ክሓውዩ ንምግባር እናተሰርሐ ይርከብ።
በዚ ድማ ቅድም ብዝተፈላለዩ ተፋሰሳት ኣብ ዝተወገኑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን 229 ሺሕን ሄክታር መሬት ብማሕበር ንዝተወደቡ 198 ሺሕን ሓረስቶት ክወሃብ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ዝለምዑ ተፋሰሳት ካብ ሰብን እንስሳትን ናፃ ብምግባር ንሓረስቶት ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ንምውዓል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ሓረስቶት ብቐዋሚነት ተረባሕቲ ክኾኑ ሕጋዊ መረጋገፂ በዓልዋናነት ካርታ ከወሃቦም ከምዝተበረ አመልኪቶ ፡፡