ውድብ ጥዕና ዓለም ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ ዓሰርተ ሰለስተ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ



 

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/1 /2017 /ኢዜአ/ውድብ ጥዕና ዓለም ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ ዓሰርተ ሰለስተ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና ብሓገዝ ሂቡ

ውድብ ጥዕና ዓለም ልዕሊ ሸሞንተ ሚልየን ብር ዝዋግኦም ናውቲታት ሕክምና ኣልትራ ሳውንድን ፕሪንተርን ምስ ምሉእ ኣድለይቲ ናውቶም ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብሓገዝ  ኣበርኪቱ።

ኣብቲ ቢሮ ኣብ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ንቢሮ ጥዕና ወኪሎም ዝተረከቡ / ቴዎድሮስ ጎበዛይ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝዓነወ ስርዓት ጥዕና እቲ ክልል ንምሕዋይ ኣብ ንሰርሖም ስራሕቲ ግንባር ቀደም ኮይኑ እናሓገዘና ይርከብ ኢሎም።

ሐዚ ድማ ግልጋሎት መጥባሕቲ ንዝጀመራ 13 ትካላት ጥዕና ዝነበረን ፀገም ኣልትራ ሳውንድን ፕሪተርን ዝፈትሕ ምስ ሙሉእ ናውቱን ምብርካቱ አመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም