ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዕድጊት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ዕድጊት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ስራሕ ክውዕል እዩ-ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/ 1/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት ብወረቐት ዝሳለጡ ኣሰራርሓታት ብምትራፍ ዕድጊትን ኣገልግሎትን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ ስራሕ ከምዝውዕል ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ይሹሩን አለማየሁ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ካልኣይ ዙር መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ክጅመር እዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ ትኹረት ካብ ዝገብረሎም ስራሕቲ ብወረቐት ገንዘብ ዝሳለጥ ዕድጊትን ብወረቐት ዝሳለጡ ኣገልግሎታትን ምትራፍ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብስፍሓት ተግባራዊ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎ ምችው ስርዓት ዕድጊት ንምፍጣር እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓመታት እቲ ስርዓት ዕድጊት ብምምዕባል ብወረቐት ገንዘብ ዝሳለጥ ዕድጊት ንምትራፍን ካብ ንኽክእ ወረቐት ነፃ ዝኾነ ኣገልግሎት ተግባራዊ ንምግባርን ከምዝተተለመ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ፈላማይ ዙር መርሃ ግብሪ ዲጂታል ኢትዮጵያ ኣገልግሎታት መንግስቲ ዲጂታላይዝ ንምግባር ዝተሳለጡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ኣብ 25 ትካላት መንግስቲ ልዕሊ 800 ኣገልግሎታት ዲጂታል ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ስራሕቶም እናሳለጡ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ስርዓት ዲጂታል ዕድጊት ዘተኣማምን ንምግባር እናተሳለጠ ዘሎ ስራሕ ድሕንነት ሳይበር ውፅኢታዊ ስለዝኾነ እቲ ትልሚ ንምዕዋት ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።