ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ተሓታትነት ምዕሳል ይግባእ- መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ጉድኣት ንምንካይ ተሓታትነት ምዕሳል ይግባእ- መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/3/ 2017 /ኢዜአ/መክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ንምንካይ ተሓታትነት ምዕሳል ከምዝግባእ አመልኪተን።
ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ክልል ኦሮሚያ መስ ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ደቂ ኣኒስቲዮ ጨፌ ኦሮሚያን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሕ ዘሎ ጉድኣት ምንካይ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚበን።
ምክትል ኣፈጉባኤ ሎሚ በዶ፥ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝበፅሑ ዘለዉ ጉድኣትን ሞትን ካብ እዋን ናብ እዋን ኣተሓሳሳብነቱ ይሰፍሕ ከምዘሎ ሓቢረን።
ስለዝኾነ እቲ ፀገም ንኸእለን ተሓታትነት ንክዓስልን ዝወፅኡ ሕጊታት ብኣግባቡ ተግባራዊ ንክኾኑን ተመጣጣኒ ፈርዲ ምሃብ ከምዝግባእን ተዛሪበን።