ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/የካቲት/6/ 2017 /ኢዜአ/ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ኣቀባብላ ወርሒ ረመዳን ዝጠመተ ኮንፈረንስ ኡለማታት፣ ኢማማትን ዱኣትን የካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ፣ ኢማማትን ዲኢታትን ተረኺቦም።
እቲ ኮንፈረንስ ብቐንዱ ሰላም ኣብ ምሕላው ሓላፊነት ኡለማታት አንታይ ክኸውን ኣለዎ? ወርሒ ረመዳን ከመይ ንቀበሎ? ኣብ ዝብሉ ሓሳባትን ናይ ሓሳባት ኣፈታትሓን ብኢስላም ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ እንቋዕ ንወርሒ ረመዳን ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆመ።
ሼኽ ሱልጣን ኣማን ኤባ ብግደኦም፥ “ወርሒ ረመዳን አንትንቅበል ኣስተምህሮታት ሃይማኖት እስልምና እንትግብረሉ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።
መበል 1446 ዓመተ ሂጅራ ወርሒ ረመዳን ተውበት ብምግባር ናብ ኣላህ ብምምላስ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ብምሕጋዝ ክኸውን ከምዝግባእ ከምኡውን ናባይ ንዘይብሎም ኣረጋዊያን ምድጋፍ ከምዝግባእ ገሊፆም።