ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ኣጀንዳ 2063 ዘዕዉቱን ቑጠባዊ ዕብየት ዘመዝግቡን መፅናዕትታትን ምርምራትን እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን 9ይ ዓለም ለኻዊ ዓመታዊ ጉባኤ መፅናዕትን ምርምርን እናሳለጠ ይርከብ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዝገበሩ ፕሬዝዳንት ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኣዲስ ኣበባ ደረጀ እንግዳ(ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሃገር ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡ መፅናዕትን ምርምራትን እናሰርሐ ይርከብ፤ እናሰርሖም ዝርከቡ ርኽበታት መፅናዕቲ ፀገም እናፈትሑ ኢኮኖሚያዊ ዕብየት እናምፅኡ 'ዮም።
እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዘፈር ኢንዱስትሪ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምድጋፍ ንኢኮኖሚያዊ ዕብየት ሃገር ግደኡ እናተዋፅአ 'ዩ ኢሎም።
እቲ ጉባኤ ልውውጥ ፍልጠትን ልምድን ዝግበረሉን ፀገም ዝፈትሑ መፅናዕትታት ንኽስርሑ ዘተባብዕ 'ዩ።
መፅናዕቲ ፀገም ዝፈትሕ፣ ኢኮኖሚ ሃገር ዘዕብይ፣ ዓለም ለኻዊ ተወዳዳራይነት ዘጠናኽርን 'ዩ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ 'ውን ምችው ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ዘምፅኡን ኣጀንዳ 2063 ዘዐውቱን መፅናዕትታት እናሰርሐ 'ዩ ኢሎም።