አብ ኢትዮጵያ ዘረአ ዘሎ ለውጢ ኢኮኖሚ ዘደነቅ እዩ-ምኸትል ቀዳማይ ሚነስትር እንግሊዝ አንጄላ ሬይነር - ኢዜአ ትግርኛ
አብ ኢትዮጵያ ዘረአ ዘሎ ለውጢ ኢኮኖሚ ዘደነቅ እዩ-ምኸትል ቀዳማይ ሚነስትር እንግሊዝ አንጄላ ሬይነር

አዲስ አበባ/ለካቲት/ 13/2017(ኢዜአ)፦ አብ ኢትዮጵያ ዘረአ ዘሎ ለውጢ ኢኮኖሚ ዘደነቅ እዩ ክብላ ምኸትል ቀዳማይ ሚነስትር እንግሊዝ አንጄላ ሬይነር ገሊፀን።
አብ ዘፈር ምትሕብባር ኢኮኖሚ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ዘተኮረ ብኸልትኤን ለዕለዎት አመራርሓ መግለፂ ተዋሂቡ
ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር እንግሊዝ አንጄላ ሬይነር አብ እቲ እዋን ከምዝበለኦ አብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ኢኮኖሚ ዘደነቅ እዩ ኢለን ።
ክልትኤን ሃገራት አብ ምትሕብባር ኢኮኖሚ አድሂበን ይሰርሓ ከምዘለዋ ፀሪሐን ሰብ ሃብቲ እንግሊዝ አብ ኢነርጂ ትራንስፖርትን አብ ካልኦት ዘፈራትን ኢንቨስትመተን ከምዘሓይላ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ አብ ቀረባ ብዕሊ ዝጀመረቶ ዕዳጋ ካፒታል ብዝበለፀ ንምዕባይ ደገፍ ከምዝዋሃብ ተዛሪበን።