ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኩለ መዳያዊ ውፅኢታት ልምዓት ፍልጠትን ብቕዓትን ብዝተሓንገጠ ኣመራርሓ ዝተረኸበ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኩለ መዳያዊ ውፅኢታት ልምዓት ፍልጠትን ብቕዓትን ብዝተሓንገጠ ኣመራርሓ ዝተረኸበ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመዝገቡ ኩለ መዳያዊ ውፅኢታት ልምዓት ብጥበብ ፍልጠትን ብቕዓትን ዝተሓንገጠ ኣመራርሓ ዝተረኸበ ከምዝኾነ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቪክቶር ኦላዱኩ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣፍሪካ ዝሓዝቶ ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምትርከብ እቶም ኣማኻሪ ሓቢሮም።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ቪክቶር ኦላዱኩ (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ እናተሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ “እታ እንደልያ ኣፍሪካ ክውን ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣፍሪካ ን50 ዓመት እትምረሐሉ ኣጀንዳ 2063 ቀሪፃ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብን ሃገራት እውን እቲ ትልሚ ንምዕዋት ብትኹረት እናሰርሓ ከምዝርከባን ኣረዲኦም።
እቶም ኣጀንዳታት 7 ኣንፈታት ትኹረት ዝሓዙ እንትኸውን፤ ዕቤት ኣፍሪካ፣ድሕንነት ዜጋታትትን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ንምርግጋፅ ኣኽኣሊ ኩነታት ምፍጣርን ምዃኖም ኣብራህሪሆም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ተሳልጦም ዘላ ስራሕቲ ልምዓት ዜጋታት ናብ ዝሓሸ ብርኪ መነባብሮ ዘሸጋግሩ እዮም ኢሎም።
ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ እውን ብብርኪ ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ ልምዓት ስርናይ እቲ ሓደን ቀንድን ከምዝኾነ ብምብሕባር፤ እዚ ድማ ዝበልፀገት ኣፍሪካ ክውን ኣብ ምግባር ርኡይ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጥ ልምዓት ስርናይ ብዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ሕጉስ ከምዝኸነ ብምሕባር፤ ዕቤት እቲ ውፅኢት ድማ ሓባራዊ ዓወት እዩ አሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ከም መርኣያ ዝፅርሑ ስራሕቲ ልምዓት ውፅኢታዊ ብምዃኖም ዝነኣድን ዝተባባዕን ተግባር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ኣብ ፍልጠት መሰረት ዝገበረ ብቕዓትን ሜላን ኣመራርሓ ከምዘሎ ብተግባር ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።