ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ካብ 14 ለካቲት ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንህፃናት ካብ 14 ለካቲት ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/ 13/ 2017 /ኢዜአ/ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ንኹሎም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብወፍሪ ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ብ”ሬጉላተሪ” ዳህሳስ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክልተ ቦታታት (ሩባታት) ናሙና እቲ ሕማም ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።
እዚ ርካብ ናሙና መሰረት ብምግባር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃውንቲ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት 2017 ዓ/ም ገዛ ንገዛ ከምዝወሃብ ገሊፆም።
ይኹን እምበር ዛጊድ ኣብ ትግራይ ብሕማም ኣልምሲ ዝሓመመ ህፃን ከምዘየለ ኣብሪሆም።
ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ወፍሪ ክታበት ኣብ 84 ወረዳታት ንልዕሊ 894 ሽሕ ህፃናት ከምዝወሃብ ኣረዲኦም።
ወለዲ ደቆሞ ከይተኸተቡ ከይተርፉ ክከታተሉን ካብ ሰብሞያ ጥዕና ንዝቐርበሎም ጎድና ጎድኒ ንዝሳለጡ መደባት እውን ግቡእ ምላሽ ክህቡን ፃውዒት ኣቕሪቦም።