ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ዝተረፍዎ ተግባራት ብምዝዛም ኣጀንዳታት ናይ ምቕራፅን ዕላዊ ናይ ምግባርን ስራሕ ከምዝሰርሕ አመላኸቱ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/13/ 2017 /ኢዜአ/ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ዝተረፍዎ ተግባራት ብምዝዛም ኣጀንዳታት ናይ ምቕራፅን ዕላዊ ናይ ምግባርን ስራሕ ከምዝሰርሕ አመላኺቱ።

ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን መስፍን ኣርዓያ(/) ናይ ዝሓለፉ ስሰለስተ ዓመታት ኣፈፃፅማ ስራሕን ናይ ቀፃሊ ዓመት ተግባራትን ዝጠመተ መግለፂ ሂቦም።

እቲ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኣብ ዝቕፅል ሓደ ዓመት ዝተረፍዎ ተግባራት ንምዝዛም ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ ኣካላት ዲያስፖራ ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝካየድ ብምግላፅ፥ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዘተ ናይ ምውካል ስራሕ ከምዝፍፀም ሓቢሮም።

ኣብ ውሽጢ ቀፃሊ ሓደ ዓመት ኣጀንዳታት ናይ ምቕራፀን ዕላዊ ናይ ምግባርን ከምኡወን ኣማኸርቲን ዘዋድዱን ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝካየድ ገሊፆም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም