ምትሕብባር ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ሩሲያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ - ኢዜአ ትግርኛ
ምትሕብባር ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ሩሲያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/13/ 2017 /ኢዜአ/ምትሕብባር ኩለ መዳይ ዲፕሎማሲ ኢትዮ-ሩሲያ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሱ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሩሲያ ቫለንቲና ማትቪንኮ ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ታሪካዊ፡ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ሕውነትን ምትሕብባርን ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተላዚቦም።
ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሳይንስ፣ ትምህርቲ፣ ባህሊን ካልኦት ኢኮኖሚያዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ዘለወን ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።
ኣፈ-ጉባዔ ቫለንቲና ማትቪንኮ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበርኡ ዑደት ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ምጥንዃር ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እዚ ከም እዚ እናሀለወ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ነተን ኣፈ ጉባኤ ሰኒየሙወን።
ቫለቲና ማትቬንኮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ዑደት፥ ኣዝየን ከምዝተሓጎሳን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ድልዱል ኮይኑ ንክቕፅል ዘኽእል ኩነታት ምርኣየን ገሊፀን።