ኢትዮጵያ ምስ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ምስ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ጃፓን ኣብ ዓውዲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለዋ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠት ከምዝኾነት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጃፓን ዳባ ደበሌ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ዳባ ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ጃፓን ኣብ ክዳውንትን ዝተፈላለዩ ጅምላ ንግድን ዝተዋፈረ ኩባንያ “KYO-ROMAN GROUP HOLDINGS” ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።
እቶም ኣምባሳደር ነቶም ኣመራርሓ ዕድላትን ኣማራፅታትን ንግዲ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ገለፃ ገይሮም።
ኢትዮጵያን ጃፓንን ወነንቲ ዘኹርዕ ባህሊ ምዃነን ብምሕባር፤ ኣብ ቶኪዮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ንግድን ኢቨስትመንትን እተን ሃገራት ንምጥንኻር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ብግደኦም፤ ተቐባልነት መኣድን ኦፓን ኢትዮጵያ ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ፍርያት ብስፍሓት ናብ ጃፓን ንምእታው ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም።
እቲ ኩባንያ ከም ኣቆፃፅረ ኣውሮፓ 2025 ኣብ መጀመርታታት ወርሒ ሰነ በዓል ምስረትኡ እንተኽብር መዓድን ኦፓል ኢትዮጵያ ከምዘፋልጥ ምግላፆም እውን ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ የመላኽት።