ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምትሕብባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከቲመን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብምትሕብባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/13/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያን ሩሲያን ስርዓት ጥዕና ምድጋፍን ሆስፒታል ደጃዝማች ባልቻ ንምዝማን ዘኽእልን ስምምዕነት ከቲመን።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቕደስ ዳባን ሚኒስትር ጥዕና ሩሲያ ሚክሄል ሙራሽኮን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ከልቲኦም ወገናት ቀዳማይ ደረጃ ኣገለግሎት ጥዕና ምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ምልዛቦም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ዶ/ር መቅደስ፥ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰርዓት ጥዕና ንምድጋፍ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዋ ተበግሶ ንኢደን።
እቲ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ድማ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ሚክሄል ሙራሽኮ ብግደአን፥ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ንኒዩክሌር ሕክምና ዝኸወን እታዎት ደገፍ ከምእትገብር ተዛሪበን።