ኣብክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ

ሽረ እንዳስላሰ/ለካቲት/ 13/2017 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብደገፍ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ህንፀት ቤት ትምህርት ይሳለጥ ኣሎ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ትምህርቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ወልደ ጊዮርጊስ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝህነፅ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ብዝሃቦ ደገፍ 20 ሚለዮን ብር እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ደገፍ 20 ሚልዮን ብር ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ህንፀት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተጀመረ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህንፀቱ ተጀሚሩ ብፅሬትን ቅልጣፈን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ተዛዚሙ ኣገልግሎት ከምዝህብ ተዛሪቦም።
ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ እንትዛዘም እውን ኣብ ክልተ ሽፍቲ 1 ሽሕን 600 ተምሃሮ ተቐቢሉ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ኢሎም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ቤተ ፈተነታት፣ኣብያተ መፅሓፍቲ፣ንምምሕዳርን ካልኦት ኣገልግሎታትን ዝውዕሉ ክፍልታት ዝሓዘ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ ስዒቡ ርኢቶኦም ንኢዜኣ ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከተማ ኣይተ በላይ ሓድጉን ወይዘሮ ሮማን ተስፋይን፤ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝገብሮ ዘሎ ስራሕ ህንፀት ወለዶ ስለዘኾነ ልዑል ክብሪ ይግበኦ ኢሎም።