ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽን ዘበናዊ ፓስፖርት ዕላዊ ኮይኑ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽን ዘበናዊ ፓስፖርት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/እዋኑ ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣብ ትዮጵያ ዝተሓተመ ሓዱሽ ፓስፖርት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዕላዊ ኮይኑ፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ተግባራዊ ምግባርና ምስሊ ሃገር ካብ ምህናፅ ሓሊፉ ንዜጋታት ዝተውሃበ ክብሪ ዘርኢ ኢዩ” ኢሎም፡፡
እቲ ፓስፖርት ሓበሬታን ኣሰር ኢድን ናይቲ ውልቀሰብ ዝሓዘ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ቺፕስ ኣለዎ ተባሂሉ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰርሐ እቲ ፓስፖርት፤ ናይ ቪዛ ገፃት መልክዕ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።
እዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኢድ ወፃኢ ሃገር ኣፍረይቲ ትካላት ዝነበረ ዲዛይን ሙሉእ ብሙሉእ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡
ቅድሚ ሕዚ ይወፅእ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ክተርፍ ብምግባር ኣታዊ ናብ ምፍልፋል ከምዘሰጋግር እውን ተሓቢሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ቴዎድሮስ ምሕረት፣ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ፣ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ተረኺቦም።
እቲ ሓዱሽ ኢ-ፓስፖርት ናይ ሓሶት ሓበሬታታትን ምጭብርባርን ንምክልኻል ዘኽእል ዝለዓለ ባህሪ ድሕንነት ዘለዎ እንትኸውን፤ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ውልቀ ሰብ ሓዊሱ ኣሰር ኣፃብዕቲ፣መፍለዪ ገፅን ኤልክትሮኒክ ቺፕስን ዝሓቖፈ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብብርኪ ዓለም ዝተቐመጡ ረቛሕታት ዘማልአን ዓለም ለኸ ተቐባልነት ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
እቲ ኢ-ፓስፖርት ብሆልዲንግ ኢንቨስተመንት ኢትዮጵያን ማሕበር ኣክሲዮን ቶፓን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመረተ ኣብቲ መድረኽ ተገሊፁ።