ብኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኩዌት ኣትዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ብኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኩዌት ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /14/2017 (ኢዜኣ) ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ዝተመርሐን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍጹም ኣረጋ ዝርከበሉን ጉጅለ ልኡኽ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኩዌት ኣትዩ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኩዌት እንትበፅሕ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት ሰኢድ ሙሀመድ፣ኣምባሳደር ኩዌት ኣብ ኢትዮጵያ ናይፍ ሃነስ ኣል ኦይታይቢ፣ዲፕሎማሲኛታት፣ኣመራርሓ ኮምዩኒቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌትን ዳያስፖራታትን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ኣብ መበል 129 ዓወት ዓድዋ ከምኡ እውን በዓል መዓልቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት ከምዝዕደም ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኩዌት ይሕብር።
ምስ ተወከልቲ ኣባላት ዳያስፖራ ዘተ ከምዝገብርን ምንቅስቓስ ንግዲ ኢትዮጵያውያን ከምዝዕዘብን እውን ተገሊፁ።