ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ትደሊ እያ-ሚኒስትር ዲኤታ ሃሰን መሓመድ


 

ኣዲስ ኣበባ/ለካቲት /14/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ምስ ህንዲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለዋ ምትሕብባር ንክጠናኸር ድሌት ከምዘለዋ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ሃሰን መሓመድ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ምስ ሰብ ሃፍቲ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ (Confederation of Indian Industry) ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ዘትዮም።

እቲ ዘተ፤ እቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝዋፈርሉ ኩነታት ዝጠመተ እዩ።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ መንግስቲ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅን ብልፅግና ኢትዮጵያ ክውን ንምግባርን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ወፃኢ እውን ምችው ማዕቐፍ ሕጊ ኢንዱስትሪ ካብ መድላው ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ከምዝተመቻቸዉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ህንድን ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ንዕቤት ኢንዱስትሪ ከምኡ እውን ንሽግግር ቴክኖሎጅን ፍልጠትን ልዑል እጃም ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ካብ ማሕበር ኢንዱስትሪ ህንዲ ዝመፁ ሰብ ሃፍቲ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ መፍረያይ ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋይ ኢንቨስት ንምግባር ምችው ኩነታት ከምዘሎ ከምዝተረድኡ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም