13 ሚሊዮን ኩንታል ዕድጊት ድኹዒ ሓመድ ተፈፂሙ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ 'ዩ



 

አዲስ አበባ/የካቲት/14/2017/ኢዜአ/13 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ተገዚኡ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(/) ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ መንፈቕ ዓመት፤ ንዘመነ ምህርቲ 2017/18 . 24 ሚሊዮን ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ንምቕራብ ተተሊሙ እናተሰርሐ 'ዩ፤ ብዝተሰርሐ ስራሕ 'ውን 13 ሚሊዮን ኩንታል ተገዚኡ እናተጉዓዓዘ 'ዩ።

በዚ 'ውን እቲ 5 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ኩንታል ተጎዓዒዙ፤ ነቲ ዝተረፈ 7 ሚሊዮን ኩንታል ድማ ስራሕቲ ምጉዕዓዝ እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

ድኹዒ ሓመድ ብእዋኑ ናብ ሓረስቶት ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናተሰርሐ 'ዩ። ተበፃሕነቱ ንምቅልጣፍ ብመዓልቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ 100 ሽሕ ኩንታል ድኹዒ ሓመድ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ድኹዒ ሓመድ ወሰኽ ዋጋ ምህላዉ ብምዝራብ ንልምዓት በልጊን ቀውዕን እኹል ዝኾነ ቐረብ ምህላዉን ክልላት ናብ ሓረስቶት ተበፃሒ ናይ ምግባር ሓላፍነቶም ንኽዋፅኡን ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም