ካብ ቀውዕን በልጊን 608 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ



 

አዲስ አበባ/የካቲት/14/2017/ኢዜአ/ሚኒስቴር ግብርና ዘፈር ግብርና ንምዕባይ ዘኽእል ምይይጥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናሳለጠ ይርከብ።

ኣብቲ ምይይጥ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(/) ካብ በልጊ፣ ቐውዕን መስኖ ሓጋይን ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዝተተለመ ትልሚ እናተሳኽዐ ' ኢሎም።

ስራሕቲ ምትእኽካብ ምህርቲ ቀውዕን በልጊን 2016/17 . እናተሰርሐ ይርከብ። ክሳብ 11 ለካቲት 2017 . ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ምህርቲ ቀውዒ 601 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ዝተኣከበ እንትኸውን፤ ካብ በልጊ 7 ሚሊዮን ኩንታል ብሓፈሻ 608 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ፤ እቲ ናይ ምትእኽካብ ስራሕቲ ብዝተጠናኸረ መገዲ እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፆም።

ብሕርሻ ቀውዒ 2016/17 . 20 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ብምሽፋን 608 ሚሊዮን ኩንታል ንምርካብ ተተሊሙ ብዝተሰርሐ ስራሕ ትልሚ እቲ ዓመት ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ምስኻዕ ተኻኢሉ ክብሉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም