ካብ ቀውዕን በልጊን 608 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ቀውዕን በልጊን 608 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ

አዲስ አበባ/የካቲት/14/2017/ኢዜአ/ሚኒስቴር ግብርና ዘፈር ግብርና ንምዕባይ ዘኽእል ምይይጥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናሳለጠ ይርከብ።
ኣብቲ ምይይጥ መደረ ዝገበሩ ሚኒስትር ግብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር)፤ ካብ በልጊ፣ ቐውዕን መስኖ ሓጋይን ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ኩንታል ምህርቲ ንምርካብ ዝተተለመ ትልሚ እናተሳኽዐ 'ዩ ኢሎም።
ስራሕቲ ምትእኽካብ ምህርቲ ቀውዕን በልጊን 2016/17 ዓ.ም እናተሰርሐ ይርከብ። ክሳብ 11 ለካቲት 2017 ዓ.ም ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ምህርቲ ቀውዒ 601 ሚሊዮን ኩንታል ምህርቲ ዝተኣከበ እንትኸውን፤ ካብ በልጊ 7 ሚሊዮን ኩንታል ብሓፈሻ 608 ሚሊዮን ኩንታል ፍርያት ተኣኪቡ፤ እቲ ናይ ምትእኽካብ ስራሕቲ ብዝተጠናኸረ መገዲ እናቐፀለ ምዃኑ ገሊፆም።
ብሕርሻ ቀውዒ 2016/17 ዓ.ም 20 ነጥቢ 4 ሚሊዮን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ብምሽፋን 608 ሚሊዮን ኩንታል ንምርካብ ተተሊሙ ብዝተሰርሐ ስራሕ ትልሚ እቲ ዓመት ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ምስኻዕ ተኻኢሉ ክብሉ ተዛሪቦም።