ተሳትፎ ዓውዲ ወልቀ ኣብ ሓምለዋይ ህንፀት ኢኮኖሚ ክጠናኸር ከምዝግባእ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ተሳትፎ ዓውዲ ወልቀ ኣብ ሓምለዋይ ህንፀት ኢኮኖሚ ክጠናኸር ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ተሳትፎ ዓውዲ ወልቀ ኣብ ሓምለዋይ ህንፀት ኢኮኖሚ ክጠናኸር ከምዝግባእ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ኣብ ኣጀንዳ ለውጢ ከባብያዊ አየር ዓውዲ ውልቀ ፋይናንስ ተንከፍ ተሳትፎ ንምጥንኻር ዝዓለመ ዓውደ መፅናዕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ ኢትዮጵያ ሰምምዕነት ፓሪስ ሓዊሱ ዓለም ለኸ ስምምዕነታት ለውጢ ከባብያዊ አየር ተቐቢላ ትትግብር ኣላ ኢለን።
ኣብ መሪሕ ትልሚ ልምዓት ንክሌማዊ ንለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ልምዓት ኢኮኖሚ ልዑል ቆላሕታ ከምዝተውሃቦ ሓቢረን።
ንለውጢ ከባብያዊ አየር ዝፃወር ስርዓት ኢኮኖሚ አብ ከይዲ ምህናፅ ዓውደ ውልቀ ብንቕሓትንን ብመሪሕነትን ነክሳተፍ እውን ሓቲተን ።