ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዑደት ገይሮም



 

ኣዲስ ኣበባ/ 14 ለካቲት/ 2017/ ኢዜአ/ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተመሪቑ ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ ንደሓር ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝጎብነዩዎ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳይሬክተር ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ግሩም ግርማ÷ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንህዝቢ ክፍቲ ካብ ዝኾነ ጀሚሩ በቢመዓልቱ ብዙሓት በፃሕቲ እናተኣናገደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብዝኸፈሉዎ መስዋእትነት ዝተረኸበ ዓወት ዝዝክር ምህናፁ መፃኢ ትውልዲ ናይ ኣቦታቱ ጅግነት ንኽወርስ ዝገብር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ካብ 7 መጋቢት 2016 . ክሳብ 13 ለካቲት 2017 . ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ ልዕሊ 246 ሺሕ ቱሪስታት ውሽጢ ሃገር ወፃኢን ዑደት ከምዝገበሩ ገለፆም፡፡

ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንበፃሕቲ ክፍቲ ካብ ዝግበር ጀሚሩ ካብ በፃሕቲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ካልኦት ኣገልግሎታትን 123 ሚሊየን ብር ዝኸውን ኣታዊ ከምዝተረኸበገሊፆም ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም