ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እናተፃወተቶ እትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ዝነኣድ ኢዩ - ሕቡራት መንግስታት


 

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያ ኣብቲ እናተፃወተቶ ትርከብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ምክትል ዋና ፀሓፊን ሓላፊ ድሕንነት ፀጥታን ጊልስ ሚቻውድ ንኢዶም፡፡

ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (/) ምስ ጊልስ ሚቻውድ ዝተዛተያ እንትኾና፤ ኣብቲ እዋን ዘተ ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታት ቁልፊ መሓዛ ከምዝኾነት እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ኣልዒሎም፡፡

ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብ ዝገብሮ ወሳኒ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ፃዕሪ ህንፀት ሰላምን ልምዓትን ግደ ኢትዮጵያ ንኢዶም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ምኽባር ሰላምን ንድሕንነት ሰራሕተኛታት ሕቡራት መንግስታት ቅድሚያ ኣብ ምሃብን ንእትሰርሖም ስራሕቲ እውን ናእደኦም ገሊፆም፡፡

እተን ሚኒስትር ብግደአን ኢትዮጵያ ንሕቡራት መንግስታትን ካልኦት ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ትገብሮ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኸውን ብምርግጋፅ፤ ምሕዝነታ ክትቅፅል ኢያ ምባለን ሓበሬታ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል የመላኽት፡፡

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ጊልስ ሚቻውድ ኣብ ዝገበሩዎ ውድድር፤ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ከምዝዘተዩ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም