ታጂኪስታን ንስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዳም - ኢዜአ ትግርኛ
ታጂኪስታን ንስግግር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንኢዳም

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ፓኪስታን ጀማል በከር ምስ ሚኒስትር ንግዲን ኢኮኖሚ ልምዓትን ታጂኪስታን ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ተዛቲዮም
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣምባሳደር ጀማል÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ስግግር ኣመልኪቶም ነቶም ሚኒስትር ገለፃ ገይሮም፡፡
ኢትዮጵያ ን ለውጢ ከባብያዊ አየር ዘይብዳህ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ብዙሓት ተበግሶታት ከም ዝጀመረት እውን ኣብሪሆም፡፡
በዚ ድማ ሕርሻ፣ ማይን ሓይሊን ለውጢ ከባብያዊ አየር ክፃወር ዘኽእል ብሄራዊ ትልሚ መስተኻኸሊ ከምዝተጀመረ ኣልዒሎም፡፡
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ዛቭኪዞዳ ዛቭኪ ኣሚን ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝገበረቶ ዕዉት ሰግግር ንኢዶም፡፡
ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት፣ ዝሕደስ ሓይሊን ካልኦትን ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕ መንግስቶም ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም፡፡