“ልዕሊ ኹሉን ቐድሚ ኹሉን ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ፆም ክንፆም ይግባእ”- ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ - ኢዜአ ትግርኛ
“ልዕሊ ኹሉን ቐድሚ ኹሉን ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ፆም ክንፆም ይግባእ”- ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

አዲስ አበባ/የካቲት/16/2017/ኢዜአ/ንፆም ኣርብዓ ልዕሊ ቕድሚ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብ ክንፆም ከምዝግባእ ፓትሪያርክ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀጳጳስ ዘኣኽሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ኣተሓሳሲቦም።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፅባሕ ሰኑይ ንዝጅምር ፆም ኣርብዓ ምኽንያት ብምግባር መግለፂ ሰንዮም።
ኣብ መግለፂኦም ምእመናን ነቲ ፆም ንዝጠመየ ብምዕንጋል፣ ንዝዓረቑ ብምኽዳንን ልዕሊ ኹሉ ነገር ንሰላምን ሓድነትን ቐዳምነት ብምሃብን ነቲ ፆም ከሕልፉ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።
ዕላማ እቲ በቢዓመቱ ዝፅወም ፆም ኣርብዓ ዲያብሎስ ንምስዓር 'ዩ፤ ልዕልነት ሰናይ ሕሊና 'ውን 'ዩ ኢሎም።
ብሰዓብቲ ቤተኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፆም ኣርብዓ ካብ ሰኑይ 17 ለካቲት 2017 ዓ.ም ይጅመር።