ፓርቲ ብልፅግና ንሰላማዊ ዘተ በሩ ኩሉ ግዘ  ክፍቲ ኢዩ-ኣብረሃም በላይ(ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ ለካቲት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ከተማ ሸገር ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብረሃም በላይ(/) እቲ ፓርቲ ሓድነት ንምጥንኻር ገዛእቲ ያታታት ንክፍጠሩ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ፀገማት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ብምምዕባል ዘላቒ ህንፀት ሰላም ንምንጋስ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ገሊፆም።

እዚ ንክዕወት ናይ ኩሉ ሰብ ተሳትፎ ወሳኒ ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

ፓርቲ ብልፅግና ንሰላማዊ ዘተ ኩሉ ግዘ በሩ ክፍቲ ከምዝኾነ እውን ኣረጋጊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ  ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብግደኦም፥ ዝተቐመጡ ኣንፈታትን ብምትግባር ሃገራዊ ሸቶታት ምዕዋት ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካ፣ በማህበራዊ፣ ዲፕሎማሲን ወዘተ ዓወታት ከምዘመዝገበ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ብኹሎም ዓውዲታት ናብ ብራኸ ዝወስዱን ባህጊ ህዝቢ ዘረጋግፁን ተግባራት ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

እቲ ፓርቲ ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ረብሓ ኢትዮጵያን ህዝባን ዘሕልዉ ከምኡወን እዛ ሃገር ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታ ንክትሕዝ ዝገብሩ ውሳነታት ምትሕልላፉ ኣዘኻኺሮም።

ስለዝኾነ ዝተቐመጡ ኣንፈታት ብምትግባር ሃገራዊ ሸቶታት ንምዕዋትን ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ብምርብረብ ምስላጥ የድሊ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም