ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረትን ምትሕብባርን ክስራሕ ኢዩ- ኣይተ ደስታ ሌዳሞ - ኢዜአ ትግርኛ
ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረትን ምትሕብባርን ክስራሕ ኢዩ- ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ/ ለካቲት/16/ 2017 /ኢዜአ/ካብ ማሕበረሰብ ዝለዓሉ ሕቶታት ንምፍታሕ ብትኹረትን ምትሕብባርን ክስራሕ ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ሲዳማን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።
ካብ ከተማ ኣዳማ፣ ዞባ ምብራቕ ሸዋን ኣርሲን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ከተማ ኣዳማ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ይካየድ ኣሎ።
እቲ መድረኽ፥ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” በዘብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዝተቐመጡ ውሳነታትን ኣንፈታትን ከምኡውን ኣብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘተ ይግበር ኣሎ።
ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን ዝገበረ እንተኾነ አውን ብዙሓት ለውጢታት እናመዝገበ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
ፓርቲ ብልፅግና ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ሓበራዊ ዕድልን ሓበራዊ ቤትን ኢዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ፓርቲ ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ዘቐመጦም ውሳነታት ትልሚን ኣንፈታት ትኹረትን መንግስቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።